ብዛዕባ ከብሒ መኽዘን መጽሓፍቲ (kebhi book store)

ከብሒመሸጢ መጽሓፍትን ዓንቀጻትን ኮይኑ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ናይ ዓለም ዝተኣከቡ ብሉጻት መጽሓፍትን ዓንቀጻትን ዝቕርብ ብመንገዲ ቀጥታዊ መርበብ (online shopping) ኣገልግሎት ዝህብ ትካል እዩእዚ ኣብ መርበብ ሓበሬታ kebhi.com ብዝብል መለለዪ ስም ተወኪሉ ዘሎ ትካልንመጀመርያ ግዚ ኣገልግሎቱ ኣብ 2020 ዝጀመረ ትካል እዩ

እዚ ትካል እዚ ካብ እሙናት ምንጭታት ወይ’ውን ጸሓፍቲ ዝተኣከቡ ሓድሽቲናይ ቀደም ወይ’ውን ብነጻ ዝሽየጡ መጽሓፍቲ ናብ ዓማዊል ንምቕራብ እዩ ዕላምኡብተወሳኺ ኣብ መንጎ ጸሓፍትን ተጠቀምቲ ዓማዊልን ከም ድልድል ብምዃን ከነራኽብን ንሕብረተሰብ ዓለም ብፍላይ ድማ ንሕብረተሰብ ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ ብኣዎንታዊ መንገዲ ንምጽላው እዩ ዕላማና

ኣብዚ ጅጂሕ\ፍሕጂ እዋን ማለት ኣብዚ ዓለም ብቴክኖሎጂ እናተጸልወት ትመጸሉ ዘላ እዋንብወረቓቕቲ ዝመሓላለፉ ሓበሬታታት ይኹን ሓሳባት እና ጠፍኡ እዮም ዝመጹ ዘለዉምስ ግዜ መጽሓፍቲ ካብ ብወረቓቕቲ ብኤለክትሮኒካዊ ኣገባብ እና ተዳለዉ እዮም ዝመጹ ዘለዉኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ ድማ ንጸሓፍቲ ብዘይካ ብመንገዲ ወረቓቕቲ ካልእ ምርጫ ፈጢርካ ምስ ዓማዊል ምርኻብ እምበኣር ኣዝዩ ኣገዳሲ ነጥቢ ይገብሮ

ካልእ ጸሓፍቲዝሓሸ ኣገባብ ረኺቦም ምስ ኣብ ዓለም ምሉእ ዘለዉ ዓማዊል ብቐሊል ክራኸቡን ክዛተዩን ዕድላት ብምፍጣርኣብ ሕብረተሰቦም ኣበርከትቲ ንምግባሮም እዩዓማዊል ድማ ኣብ ገዝኦም ብምዃን ደስ ዝበሎም ዓይነት መጽሓፍ ንምርካብን ብኡ ኣቢሎም ድማ ኣእምርኦም ዝሃንጽሉ መድረኽ ንምፍጣርን እዩ እቲ ዕላማ

ትካልና ነዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ዓበይቲ ዕላማታት ብምሓዝ ኣብ 2020 ዝተበገሰት ትካል እያመስረትቲ እዛ ትካል ድማ ሓላፍነቶም ዝተወሰነ ውልቃውያን ሰባት እዮምእዛ ትካል ድማ ብመሰረት ሕጊ ኤርትራ ተቐይዳ እትኸይድ ትካል እያ

መስረትቲ እዛ ትካል

 

ኢንጅ.ሚካኤል በርሀ

Michaelberhe968@gmail.com

002917328059

 

ኢንጅ.ፊልሞን ተስፋማርያም

filmonwedites@gmail.com

002917230396

 

ኢንጅ.ኣማን ደስበለ

efratisriv@gmail.com

002917656886