ብዛዕባ ከብሒ
መኽዘን መጽሓፍቲ
(kebhi book store)
ከብሒ፡ መሸጢ
መጽሓፍትን ዓንቀጻትን ኮይኑ ካብ
ዝተፈላለዩ ክፋላት ናይ
ዓለም ዝተኣከቡ
ብሉጻት መጽሓፍትን
ዓንቀጻትን ዝቕርብ ብመንገዲ
ቀጥታዊ መርበብ
(online shopping) ኣገልግሎት
ዝህብ ትካል
እዩ። እዚ
ኣብ መርበብ
ሓበሬታ kebhi.com ብዝብል መለለዪ
ስም ተወኪሉ
ዘሎ ትካል፡
ንመጀመርያ ግዚ ኣገልግሎቱ
ኣብ 2020 ዝጀመረ
ትካል እዩ።
እዚ ትካል
እዚ ካብ
እሙናት ምንጭታት
ወይ’ውን ጸሓፍቲ
ዝተኣከቡ ሓድሽቲ፡ ናይ
ቀደም ወይ’ውን
ብነጻ ዝሽየጡ
መጽሓፍቲ ናብ ዓማዊል
ንምቕራብ እዩ ዕላምኡ።
ብተወሳኺ ኣብ መንጎ
ጸሓፍትን ተጠቀምቲ ዓማዊልን
ከም ድልድል
ብምዃን ከነራኽብን
ንሕብረተሰብ ዓለም ብፍላይ
ድማ ንሕብረተሰብ
ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ
ብኣዎንታዊ መንገዲ ንምጽላው
እዩ ዕላማና።
ኣብዚ ሕጂ እዋን
ማለት ኣብዚ
ዓለም ብቴክኖሎጂ
እናተጸልወት ትመጸሉ ዘላ
እዋን፡ ብወረቓቕቲ
ዝመሓላለፉ ሓበሬታታት ይኹን ሓሳባት
እና ጠፍኡ
እዮም ዝመጹ
ዘለዉ። ምስ
ግዜ መጽሓፍቲ
ካብ ብወረቓቕቲ
ብኤለክትሮኒካዊ
ኣገባብ እና
ተዳለዉ እዮም
ዝመጹ ዘለዉ።
ኣብ ከምዚ
ኣጋጣሚ ድማ
ንጸሓፍቲ ብዘይካ ብመንገዲ
ወረቓቕቲ ካልእ ምርጫ
ፈጢርካ ምስ
ዓማዊል ምርኻብ
እምበኣር ኣዝዩ ኣገዳሲ
ነጥቢ ይገብሮ።
ካልእ ጸሓፍቲ፡
ዝሓሸ ኣገባብ
ረኺቦም ምስ
ኣብ ዓለም
ምሉእ ዘለዉ
ዓማዊል ብቐሊል
ክራኸቡን ክዛተዩን ዕድላት
ብምፍጣር፡ ኣብ ሕብረተሰቦም
ኣበርከትቲ ንምግባሮም እዩ። ዓማዊል
ድማ ኣብ
ገዝኦም ብምዃን
ደስ ዝበሎም
ዓይነት መጽሓፍ
ንምርካብን ብኡ ኣቢሎም
ድማ ኣእምርኦም
ዝሃንጽሉ መድረኽ ንምፍጣርን
እዩ እቲ
ዕላማ።
ትካልና ነዞም
ኣብ ላዕሊ
ተጠቒሶም ዘለዉ ዓበይቲ
ዕላማታት ብምሓዝ ኣብ
2020 ዝተበገሰት ትካል እያ።
መስረትቲ እዛ ትካል
ድማ ሓላፍነቶም
ዝተወሰነ ውልቃውያን ሰባት እዮም።
እዛ ትካል
ድማ ብመሰረት
ሕጊ ኤርትራ
ተቐይዳ እትኸይድ
ትካል እያ።
መስረትቲ እዛ ትካል
ኢንጅ.ሚካኤል በርሀ
002917328059
ኢንጅ.ፊልሞን ተስፋማርያም
002917230396
ኢንጅ.ኣማን ደስበለ
002917656886